ስጉምቲ ንናይ ቀዳማይ ዲግሪ ድማ ይሰማምዕ። ተማሃሮ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ቅቡላት ዝኾኑ ድማ ካብ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም ኮይኖም እሞ እቲ 4 ዓመተ ልደቶም ቅድሚ 31/07 ናይቲ ትምህርቲ ዝጅምርሉ ዓመት ዝኾነ እዮም። ኣብዚ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ትምህርቱ ቖልዓ ብመጀመርታ ምስ ቤት ትምህርቲ ዝላለየሉ ግዜ ይኸውን። እዚ ኣብላዕሊ ዝተጠቕሰ ወሳኒ ስጉምቲ ድማ ካብ ናይ ሰድራቤት ማእከልነት ናብ ናይ ቤት ትምህርቲ ማእከልነት ዘማሓላልፍ እዩ። ነቲ ናይ ኣተዓባብያ ትምህርቲ ብስድርኡ ዝተማሃሮ ክፍጽም ከምኡ ውን ምስቲ ዕዮ ናይ ቤት ትምህርትን ዘላልዮ እዩ። ብዝተፈላለየ ኩነታት ወይ ብጸወታ ዝምሃሮ ዓቢ ስፍራ ዝሓዘ እዩ።
ትግርኛ (Tigrinya) - ቤተ ትምህርቲ 4-15 ዓመት
ካልኣይ ደረጃ ካብ 8 ክሳብ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም
ካልኣይ ደረጃ ን 4 ዓመታት እዩ። እቶም ዝምልከቶም ተማሃሮ ድማ ካብ 8 ክሳብ 12 ዝዕድሚኦም እዮም። ምስቲ ካልኣይ ስጉምቲ ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ድማ ይሰማማዕ። ነቲ ትምህርቲ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ብምቕጻል ካልኣይ ደርጃ ትምህርቲ ነቲ መሰረታዊ ዝኾነ ፍልጠትን ብቕዓትን ናይ ተፈላለየ ኣርእስትታት ናይ ትምህርቲ በቲ መደብ ናይ ትምህርቲ ዝተወሰነ ምእንታን ክህልዎም ይገብር። ተማሃሮ በብቑሩብ ርእሶም እና ኽኣሉ ይኸዱ።እዚ ድማ ሓድሽ መንገድታት ናይ ስርሕ ክሕዙን ናይ ውልቂ መፍቲሒታት ክደልዩን ይሕግዞም።
ትምህርቲ ናይ ቃንቓ - ወጻእተኛ ኣብ 5ይ ሃርሞስን ከምኡ ውን ኣብ 7ይ ሃርሞስ
ኣብ ትምህርቲ 1ይን 2ይን ደረጃ ተማሃሮ 2 ናይ ወጻእተኛ ቃንቓ ይጅምሩ። ጀርመን ወይ ፍራንሰ ኣብ 5 ሃርሞስ ከምኡ ውን እንግሊዝ ኣብ 7ይ ሃርሞስ።
12 ክሳብ 15 ዓመት ሲየክል 3
3ይ ሲየክል 3 ዓመት ይወስድ፣ከምቲ መሰረታዊ ሕጊ ድማ ኣብ ሞንጎ 12ን 15ን ዓመትን ብዘለው ተማሃሮ ይዝውተር፣ እዚ ምስ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝተወሃሀደ እዩ።
ኣወዳድባ ብዓይነት ክፍልታት
ኣፈላልያ ናይ 3ይ ሲየክል ብ 3 ዓይነታት ክፍሊ ዝተዳለወ እዩ፣ 2ይ ሲየክል ምስወድኡ፣ተማሃሮ ኣብቲ ምስ ክእለታቶምን ኣሰጓጉማ ትምህርቶምን ዝወሃሃድ ዓይነት ክፍሊ ይኣትዉ።
እቲ ሓድነት ናይቲ ሲስተም ኣብ ዓይነታት፣ ናይ ክፍሊ ቅጥዕታትን፣ ስነ-ምምህርናዊ ኣቀራርባ ይህብ፣ እዚ ድማ ነቶም ተማሃሮ ኣብ ምውዳእ ግዴታዊ ትምህርቶም፣ ፍልጠትን መሰረታዊ ብቅዓትን ንምሓዝ፣ብዝበለጸ ኣተኩሮ ድማ ንናብ ድሕሪ ግዴታዊ ትምህርቲ (post-obligatoires) ዘሎ ትምህርቲ ንኽበጽሑ ድልዋት ንክኾኑ እዩ።
እቶም ኣብቲ ዝድለ ሰረታት ዘይበጽሑ ተማሃሮ፣ እሞ ኣብ ናይ ግላዊ ዕላማታት ናይ ትምህርቲ ክሰርሑ ዘለዎም፣ ኣብ ቤት ትምህርትታት ናይ ኣንፈታዊ ሲየክል (cycle d'orientation) ፣ መምርሒ ብምውሳድ ኣብተን ደገፍ ዝህባ ክፍልታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።